Luxe bruidstaart
ብኢድ ዝተዳለወ · ብፍቕሪ ዝተሰርሐ

ነፍሲ ወከፍ ኬክ፡
ባዕሉ ዝዛረብ ታሪኽ
ኣለዎ

ንፍሉይ እዋናት ዝኸውን ብኢድ ዝተዳለወ ምኡዝ ኬክ። ካብ ናይ መርዓ ኬክ ክሳብ ዘመናዊ ናይ ልደት ኬክ — ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ፍሉይ እዩ።

200+ ሕጉሳት ዓማዊል
100% ብኢድ ዝተዳለወ
ሓላል ከምኡ እውን ብመሰረት ጠለብኩም ካብ ግሉተን (Gluten) ነጻ
Selam Bakery
Handmade
with love

ብፍቕሪ ዝተዳለወ፡ ብደስታ ዝተሰርሐ

ኬክ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝፍተዉ ምቁራት ምግብታት ሓደ እዩ — ኣብ ልደት፣ መርዓ፣ ናይ ስድራ በዓላትን ካልኦት ፍሉያት ኣጋጣሚታትን ዋና ምልክት ዝኸውን። ኣብ SB፡ ሓቀኛ ጣዕሚ ካብ ጽሬት ናይ ኣቕሑን ካብ ጥንቃቐ ኣብ ምስራሕን ዝምንጩ ምዃኑ ኣሚነ ይሰርሕ።

ካብ ቸኮሌት ክሳዕ ቫኒላ፣ ካብ ፍሩታዊ ኬካት ክሳዕ ዘመናዊ ናይ ዲዛይን ስራሓት — ብምሩጽ ኣቕሑን ብሞያዊ ኣገባብን ዝተዳለዉ ኬካት ነቕርብ። ዕላማና ንዓማዊልና ጣዕሚ፣ ጽሬትን ዘይርሳዕ ተሞክሮን ምቕራብ እዩ።

ሞያዊ ኢደ-ጥበብ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ብጥንቃቐን ብፍቕሪን ዝተሰርሐ
ጥረ ነገራት እቶም ዝበለጹን ንጹሃትን ጥረ ነገራት ጥራይ
ናትካ ምርጫ ንኹሉ ዓይነት ናይ መግቢ ድሌታትኩም ብመሰረት ጠለብኩም ነዳልው

ዓማዊልና ዝብልዎ

★★★★★

"ብዘኣዘዝናዮ ጠለብ እቲ ኬክ መጽዩና። ኣዚና ድማ ሕጉሳት ኢና። — ጽቡቕን ጥዑምን!"

ኤሊዛናይ መርዓ ኬክ, ሮተርዳም
★★★★★

"ን ልደት ጓለይ ናይ ልደት ኬክ ኣዚዘ። በቲ ዝመጸና ኬክ ቃላት ስኢነ! ብሓቂ ክብረት ይሃበለይ SB።"

ዮናስ ደስታናይ ልደት ኬክ, ኣምስተርዳም
★★★★★

"ናይ ጾም ቶርታ፣ ብጣዕሚ ሕጉሳት። ኩሉ ምቁር ኔሩ!"

ኣሚነ ተስፋይናይ ቤተሰብ ፌስታ, ናይ ጾም

ኮርሳትና ዳህስስ

ጥበብ ምስራሕ ኬክ ተማሃር — ካብ መጀመርታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ብኣካል ወይ ብኢንተርነት።

ብኣካል ኮርስ ብኣካል

ብኣካል ኮርስ

ናይ ኬክ ስነጥበብ ብውልቃዊ ምኽሪ ተማሃሩ። ካብ ፎንዳን ክሳብ ዕጠቃ — ስጉምቲ ብስጉምቲ ብሰላም ተምሂርካ።

⏱ ብሕቶ
ብኢንተርነት ኮርስ ብኢንተርነት

ብኢንተርነት ኮርስ

ካብ ገዛ፡ ብናትኩም ፍጥነት ተኸታተሉ። ናይ ቪድዮ ትምህርቲ ብዛዕባ ናይ ዕጠቃ ቴክኒካት ንኩሉ ደረጃ።

⏱ ብናትኩም ፍጥነት

* ልክዕ ዕለትን ቦታን ኣብ እዋን ምዝገባ ክንነግረካ ኢና።

ክትፈልጥዎ ትደልዩ ዘለኹም

ቅድሚ ክንደይ እዋን ክንእዝዝ ኣለና? +

ቢውሑዱ 2 ሰሙን ቅድሚ ዕለቱ። ብዙሕ ጠለባት ምስ ዝህልወኩም (ናይ ሃገር በዓላት፡ ናይ መርዓ ወቕቲ) ቅድሚ 2 ወርሒ ክትረኽቡና ነማኽር።

ዋጋ ክንደይ እዩ? +

ኬክታት ካብ €45 ይጅምሩ። ልክዕ ዋጋ ብዓቐን፡ ዲዛይንን ምዕባዩን ይፈላለ። ጠለብካ ምስ ሰደድካ ብናጻ ናይ ዋጋ ሓሳብ ክንሰደልካ ኢና።

ዝተጠልበ ተበጻጽሑ ዲኹም ወላስ ባዕልና መጺና ኢና ክንወስዶ? +

ክልቲኡ ይከኣል። ናብ ቦታ ምብጻሕ ይካኣል። ብስምምዕ ዋጋ ናይ ቦታን ናይ ምብጻሕ ወጻኢታትን።

ናይ ጾም ኬክ ኣለኩም ዶ? +

ብዝጠለብክምዎ መሰረት ከም በዓል ናይ ጾም ኬክ ክንሰርሓልኩም ንኽእል ኢና — ኣብ ቅጥዒ ጥቀስ።

ፍሉይ ዲዛይን ወይ ቀለም ምሕታት ይከኣልዶ? +

እወ። ነፍሲ ወከፍ ኬክ ብናትካ ድሌት ይዳለው — ካብ ቀሊል ቀለም ክሳብ ምሉእ ፍሉይ ዲዛይን። ንብዝሒ መረዳእታ ግና ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ናትና ኣድራሻ ጌርካ ክትረኽበና ትኽእል ኢኻ።

ብቕልጡፍ ከመይ ኢልና ክንረኽበኩም ንኽእል? +

ብቅጥዒ ምምላእ ወይ ብቐጥታ ብ WhatsApp። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክንምልስ ኢና።

ናይ ሕልሚ ኬክካ እዘዝ

ነዚ ቅጥዒ እዚ ምልኣዮ፤ ኩሉ ዝርዝር ነገራት ንምምይያጥ ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክንረኽበካ ኢና።

  • 1
    ድሌትካን ዕለትን ብምጥቃስ ቅጥዒ ምልኣ
  • 2
    ውልቃዊ ናይ ዋጋ መግለጺ ክንሰደልካ ኢና
  • 3
    ምስተሰማማዕና ስራሕ ክንጅምር ኢና
  • 4
    ኣብ ዝተሰማማዕናሉ ዕለት መጺኻ ትወስድ ወይ ነብጽሓልካ
ቅጥዒ ምእዛዝ